መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ብጉዳይ ኤርትርውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘትዮም

መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ብጉዳይ ኤርትርውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘትዮም

Radio Erena: 05 August 2015

France UK

መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ካሌ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ተመሪሑ ዝተኻየደ ዘተ፣ ነቲ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ኣጋጣሚ ዘሎ ምትእክኻብ ስደተኛታታን ንሱ ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋን ምትዕንቓፍ መጓዓዝያን ዝፍትሓሉ መንገድታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ብመንገዲ ካሌ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ተወሳኺ ስጉምታት ቅድሚ ምውሳደን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ሓገዙ ከበርክት’ውን ሓቲተን ኣለዋ።

 

ኣብ ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ሓጹራት እናፈንጠሱ ናብ ገለርያታት ባቡር ይውሕዙ ብምህላዎም፣ ካብን ናብን ፈረንሳን ብሪጣንያን ዝካየድ ናይ ባቡርን ናይ ጽዕነት መካይንን ጉዕዞ ብተደጋጋሚ ክሰናኸል ይርአ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ስደተኛታት ናብቲ ብኤልክትሪክ ዝሰርሓ ባቡር ዝሕንበባሉ ገለርያታት ሰሊኾም ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ይኾኑ ምህላዎም ጸብጻባ ፖሊስ ፈረንሳ የመልክት።

ኣብ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ልዕሊ 1500 ስደተኛታት፣ ቴንዳታት እናዘርግሑ ብኣግራብ ኣዝተሸፈነ ጫካ ይነብሩ ምህላዎም ብተደጋጋሚ እዋን ተገሊጹ’ዩ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0