መንግስታት ካርቱምን ጁባን፣ ዛጊት ኣብ መዕለቢኡ ዘይበጽሐ ዘስሓሕቦም ጉዳያት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ

መንግስታት ካርቱምን ጁባን፣ ዛጊት ኣብ መዕለቢኡ ዘይበጽሐ ዘስሓሕቦም ጉዳያት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ

Radio Erena: 05 May 2016

ba ki

መንግስታት ካርቱምን ጁባን፣ ዛጊት ኣብ መዕለቢኡ ዘይበጽሐ ዘስሓሕቦም ጉዳያት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዘለዎም ተስፋታት ገሊጾም።

እቲ ብሰንኪ ግጭት ደቡብ ሱዳን ተወንዚፉ ዝጸንሐ ጉዳያት ክልትኤን ሃገራት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ናይ ሓድነት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምቛሙ ደጊሙ ክበራረብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብስምዕ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ሬክ ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ዝቖመ ናይ ሓድነት መንግስቲ ዘለዎ ደገፍ ብምርግጋጽ፣ ጸጥታ ዶባተን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ደቡብ ሱዳን ማርቲን ኤልያ ሎሞሮ ብወገኑ፣ ደቡብ ሱዳን ምስ ጎረቤታ ሱዳን ኣብ ዝኾነ ዓይነት ግጭት ክታኣቱ ከምዘይትደሊ ብምጥቃስ፣ ንዘሎ ጸገማት ብሓባር ንምፍታሕ መንግስቲ ሃገሩ ቅሩብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ብምንጻል ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ ዕለት ኣትሒዛ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ምምልካት ዶባ፣ ዋንነት ዘሰሓሕብ ከባቢታት፣ ቀረጽ ብፖርት ሱዳን ናይ ዝልኣኽ ነዳዲ ፣ ጉዳይ ዜግነትን ምሕብሓብ ተቓወምቲ ሓድሕድን ብዝብሉ ነጥብታት ኣብ ምስሕሓብ’ያ ትርከብ።

እዚ ጉዳያት እዚ መዕለቢ ከይረኸበ ከኣ ኣብ 2013 ግጭት ደቡብ ሱዳን ስለዝተወልዐ፣ ምስ ሱዳን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳያት ተወንዚፉ’ዩ ጸኒሑ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0