መንግስታት ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም

መንግስታት ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም

Radio Erena: 04 July, 2014

Eri Italy

መንግስታት ኤርትራን ኢጣልያን፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም።

እቲ ዝርርብ ዝተኻየደ፣ ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ላፖ ፒስተሊ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ኢጣልያ፣ ብዋሕዚ ስደተኛታት ሓያሎ ሃገራት ብፍላይ ድማ ዋሕዚ ኤርትራውያን ብቐጻሊ ካብ ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት’ያ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱዳ ዘጋጠመ ህይወት ኣስታት 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ባሕዲ ሓደጋ ድማ፣ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንምድሓን ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ከቢድ ወፍሪ ተጸሚዱ ይርከብ።

 

ይኹን’ምበር እዚ ስርሒት እዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኢጣልያ ገዚፍ ባጀት ይሓታ ምህላዉ፣ ንዋሕዚ ስደተኛታት’ውን ስለዘተባብዕ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ነቲ ስርሒት ደው ከብሎ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ሬሳ ናይቶም ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ 360 ኤርትራውያን’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ መሬት ኢጣልያ፣ ኣብ ደሴት ሲሲልያ ኣብ ጋህሲ ተዓጽዩ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ከም ካልኣይ ኣማራጺ’ውን ምስተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከምኡ ድማ ምስተን ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቐሙለን ከም ሊብያ ዝኣመሰላ ሃገራት ንምዝርራብ ተበግሶ ወሲዳ ኣላ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0