መንግስቲ ፊንላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝጀመሮ ሓገዝ ክቕጽሎ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ

መንግስቲ ፊንላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝጀመሮ ሓገዝ ክቕጽሎ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 20 April 2016

del

መንግስቲ ፊንላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ሓገዝ ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቕጽሎ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘረጋገጸ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፊንላንድ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት’ዩ።

ልኡክ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ሄልሲንኪ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ፊንላንድ ኣብ መደይ ትምህርትን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ንኤርትራ እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ኣቐዲሙ’ውን ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ዑደት ናብታ ሃገር ምክያዱ ይዝከር።

 

ፊንላንድ ኣብ ስልጠና መማህራንን ካልእ ሞያታትን ዘተኮረ ፕሮጀክታት ብምሕንጻጽ ዝሓለፈ ዓመት ብመንገዲ ፊን ቸርች ኤድ ናይ ኣስታት 3 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ከምዘበርከተት ይፍለጥ።

ዝበዝሐ’ቲ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ካልእ ጽላታትን ዝትግበር ዘሎ ልምዕታዊ ፕሮጀክታት ብሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ዝምወል እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝህቦ መግለጺታት ግና ብወጻታቱ ከተግብሮ ይጽዕር ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0