መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝ ይጉስጉስ፣ ህድማ ኣባላት ሰራዊት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይንህር

Radio Erena: 06 March 2017

Eri Army 2

መንግስቲ ኤርትራ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት በብደረጅኡ ይትግበር ከምዘሎን መነባብሮ ኣባላት ሰራዊት ክመሓየሽ ምዃኑን ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዘሎ እዋን፣ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዝሃድሙ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ብዝሒ እናነሃረ ይመጽእ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኹልና ሓበሬታ፣ ኣብ ከተማታት ዝተመደቡ ይኹኑ ኣብ ግንባራት ዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብውልቂን በብጉጅለ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ይሰግሩ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ወሰኽ ደሞዝን ምምሕያሽ ናብራ ስድራቤታት ኣባላት ሰራዊትን ዝብል መብጽዓታት ዝኾነት እምነት ከምዘይብሎም ዘረድእ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ህድማ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንቡር ተርእዮ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ወርሓት ዝርአ ዘሎ ህድማ ፍሉይ ዝገብሮ ግና እቲ መንግስቲ፣ ደሞዝ ተወሲኹልኩም’ዩ፣ ገዛ ድማ ክስርሓልኩም’ዩ እናበለ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ይፍጸም ምህላዉ’ዩ።

“ወሰኽ ደሞዝን ገዛ ክስርሓልኩም’ዩ ን” ዝብላ ኣርእስታት፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መዋዘዪ ይጥቐምለን ከምዘለው ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እዚ እርእስታት እዚ፣ መንግስቲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላታት ጥራይ ምዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኤርትራ ናብ ጎረቤት ሃገር ዝሰገረ ኣባል ፋይናንስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣተግቢረዮ ዝበሎ ስማዊ ወሰኽ ደሞዝ፣ ኣብ ተራ ኣባኣት ሰራዊት ምዕዝምዛማት ፈጢሩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ውን የሰሓሕብ ምህላዉ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዘየውርዶን፣ ኣብ ክንድኡ ግና ክሳብ 700 ሚእታዊት ዝግመት ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረሎምን ይጉስጉስ እኳ እንተሎ፣ በንጻር እዚ ግና፣ ሰራዊት ንኣተገባብራ እቲ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከምዝተቓወሞ’ውን ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

Eri army 1

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2015 ኣትሒዙ ዝሕሰብ ንመብዛሕትኦም ኣባላት ሰራዊት ዘጠቓለለ ናይ 1800 ናቕፍ ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረሎም እኳ እንተገለጸ፣ ናይ ስድራ ቤት፣ ቅሙጥ ትሕጃ ሕሳብ፣ መስርሒ መንበሪ ኣባይቲ፣ ግብሪ፣ ደበስ ስውኣት፣ መማቕርትን ናይ ህግደፍ ወርሓዊ ክፍሊትን ዝብሉ ተቖራጺ ሕሳባት ጎዲልዎ፣ ኣብ ኢዶም ኣስታት 300 ናቕፋ ጥራት’ዩ ዝወሃቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ንሓለፍቲን ሰብ ፍሉይ ረብሓን እንተዘይኮይኑ፣ ንዝበዝሑ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይ ሑጻን ካልእ ከተማታትን ክሰርሓሎም ዝተኣተዎ መብጽዓ 10 ዓመታቱ ሓሊፉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘየተግበረ ይፍለጥ።

በንጻር’ዚ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ጥራይ ንዝኸፍሉ ኣብ ወጺኢ ንዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብዶላርን ኤውሮን መሬት ክሸጠሎምን፣ ቅድሚ ናይዞም ተጋደልቲ ንኽሃንጸሎም ይጓየን ምህላዉ’ዩ ዝንገር።

ሓያሎ ገዳይም ተጋደልቲ፣ መንግስቲ ንዝኣተወሎም መብጽዓታት ብምጥላሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ገዛውቲ መንግስቲ ንምውራስ’ውን ብሰበይ ሰብካን ምስ ሓለፍቲ ብዘለካ ቅርበትን ጥራይ ይስርሓሉ ምህላዉ’ዮም ዘማርሩ።

ብዘይካዚ’ውን ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይተመናይ ከባቢ እንዳ ኮካ ክህነጸሎም ምዃኑ ተመባጺዑ እምነ-መሰረት ዘንበረሉ ህንጻ፣ ነቶም ንሓያሎ ዓመታት ሃረር ዝበሉ ስንኩላን ከምዘይተዋህበን፣ በንጻሩ እቲ ስርዓት ኣብ ናይ እዝንን ካልእ ንረብሕኡ ኣብ ዘገልግል ስራሕን ንዘዋፈሮም ውልቀሰባት ከምዝዓደሎምን ይፍለጥ።
=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0