መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት ጌረ ይብል፣ ህድማ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ይንህር

Radio Erena: 01 November 2016

29 round

መንግስቲ ኤርትራ፣ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት ከምዘተግበረ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣማኢት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን እናሰገሩ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታት ይቕጽሉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምስጋር ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተመዝገቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ትካል ይሕብሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዘየውርዶን፣ ኣብ ክንድኡ ግና ክሳብ 700 ሚእታዊት ዝግመት ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረሎምን ይጉስጉስ እኳ እንተሎ፣ በንጻር እዚ ግና፣ ሰራዊት ንኣተገባብራ እቲ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ይቃወም ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ግብሪ ዘይጭበጡ መብጽዓታት እናኣተወ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምብላዮም ዝኣለሞ ውዲት’ዩ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ ወሰኽ ደሞዝ ብዝምልከት ዝተወከሰቶም ኣባላት ሰራዊት የረድኡ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ሚልዮናት ኤውሮ ሓገዝ ንምርካብ፣ ኣብ ግብሪ ዘይሰርሓሉ ፕሮጀክታትን ወሰኽ ደሞዝን ዝብሉ መደባት ደጋጊሙ ይጉስጉሰሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0