መንግስቲ ካናዳ፣ ንቆንስል ሃገረ ኤርትራ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ

መንግስቲ ካናዳ፣ ንቆንስል ሃገረ ኤርትራ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ

Radio Erena: 16 July, 2014

Eri Canada

መንግስቲ ካናዳ፣ ናብ ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ እቲ ቆንስል ብዝኾነ ዓይነትን ኣገባብን ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘይሕጋዊ ግብሪ ይእክብ ከምዘሎ እንተኣረጋጊጹ፣ ነቲ ቆንስል ክዓጽቆ ምዃኑ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ከምዝሃቦ ናሽናል ፖስት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ነቲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ናብ ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ዝተላእከ ድብዳቤ ቅዳሕ ብምቕራብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ቆንስል ካብ ኤርትራውያን ክልተ ካብ ሚእቲ ይእክብ ከምዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖ እንተቐሪብሉ፣ ተሪፋቶ ዘላ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ፣ ንቆንስል ኤርትራ ጠቕሊልካ ምስጓግ ጥራይ’ዩ ክብል’ውን ኣስሚርሉ።

 

መንግስቲ ካናዳ፣ ብሰንኪ እዚ ናይ ክልተ ካብ ሚእቲ ምእካብ ጉዳይ ንጠቕላሊ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ኣቶ ሰመረ ገብረማርያም ዝሓለፈ ዓመት ከምዝሰጎጎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕጂ ግና ነቲ ቆንስል ጠቕሊሉ ከምዝዓጽዎ’ዩ ዘጠንቕቕ ዘሎ።

ቤት ጽሕፈት ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ 2 ሚእታዊት ካብ እቶቶም ብምኽንያት ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ክኸፍልዎ ይሕብሮም ምህላው’ውን ብ14 ሓምለ ኣብ ሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0