መንግስቲ እስራኤል ንስደተኛታት ብዝምልከት ዳግማይ ዘውጸኦ መደብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

መንግስቲ እስራኤል ንስደተኛታት ብዝምልከት ዳግማይ ዘውጸኦ መደብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 November 2017

unhcኩነታት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ በጺሑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ዳግማይ ንዝቐረበ እማመ ከምዘይቅበሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ውድብ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብ17 ሕዳር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣርየህ ደሪ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ህዝባዊ ጸጥታ እስራኤል ጊልዓድ ኢርዳን ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብዝምልከት ዘቕረቡዎ እማመ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ብምዃኑ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

እቶም ክልተ እስራኤላውያን ሚኒስተራት ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዘቕረብዎ እማመ፣ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክፋነዉ፣ ነዚ እንተዘይተቐቢሎሞ ከኣ ክእሰሩ ዝጠልብ እዩ።

እስራኤል ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ኣትሒዛ ኣርባዕተ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ኣጣዪሳ እያ። እንተኾነ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት’ዞም ብወለንትኦም ተጣዪሶም ዝተባህሉ ስደተኛታት ንምክትታል ኣዝዩ ከምዘጸገሞ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ናይ ምጥያስ መስርሕ እስራኤል ብከቢድ ምስጢር ስለዝሓዘቶ ተጸዋዒ ስደተኛታት እኹል ሓበሬታ’ኳ እንተዘይብሉ፣ እቶም ዝተጣየሱ ስደተኛታት ዘይተጸበዩዎ ከምዘጓነፎም፣ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይተገብረሎም፣ ከምኡ’ውን ዝበዝሑ ካብኣቶም ከም ሓድሽ ሃገራት ኣቋሪጾም ዳግማይ ስደት ከምዝጀመሩ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘለዎ እቲ ውድብ ይገልጽ።

እስራኤል ንናይ 1951 ኣህጉራዊ ውዕል መሰል ስደተኛታት ዝፈረመት ሃገር ስለዝኾነት፣ ግቡኣ ከተማልእ ተጸዋዒ ስደተኛታት ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣርን ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ እስራኤል ደገፎም ከምዘበርከቱ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ክህልዉ እንከለዉ፣ ካብ 2009 ኣትሒዙ መንግስቲ እታ ሃገር ን8 ኤርትራውያን ጥራይ እዩ ዑቕባ ሂቡ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0