መንግስቲ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቕየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ኣውሪድዎ

መንግስቲ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቕየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ኣውሪድዎ

Radio Erena: 10 February 2016

Holo

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቕየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ ብሰኑይ 8 ለካቲት ሓድሽ ሕጊ ከምዘሕለፈ መርበብ ሓበሬታ ሃረጽ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቐየድሉ ግዜ ካብ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ፣ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ንዝቐረበ እማመ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምጽዳቑ ኣይርሳዕን።

እስራኤል ነቲ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ኣርየ ደሪ ዝቐረበ እማመ ብምጽዳቕ፣ ንምትግባሩ ሓድሽ ሕጊ ተሕልፍ ዘላ፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቕየድሉ 20 ኣዋርሕ፣ ግቡእ ኣይኮነን ብዝብል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተደጋጋሚ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

 

እንተኾነ እዚ መንግስቲ እስራኤል በብእዋኑ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘውጽኦ ዘሎ እማመታትን ውሳኔታትን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይኮነ ይግለጽ።

እስራኤል ነቶም ዑቕባ ዝግብኦም ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ስደተኛታት፣ ሕጋዊ መስርሕ እናተኸተል ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ክንዲ ትህብ’ያ፣ ኣብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ሖሎት ናይ ዝቕየድሉ ግዜ ከም ኣርእስቲ እናቕረበት ትካትዓሉ።

ኣብ እስራኤል መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ዜጋትት ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት 35 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

እቶም ኣስታት 3300 ካብዚኣቶም ኣብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሖሎት ተታሒዞም ዘለው’ዮም።

እታ ሃገር፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ዝተፈላለየ ሜላታት ከምእትጥቀም ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0