መንግስቲ ኤርትራ ድኽመት ዲፕሎማሲኡ ንኢትዮጵያን ኣመሪካን ብምውንጃል ክሽፍኖ ይፍትን ከምዘሎ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ድኽመት ዲፕሎማሲኡ ንኢትዮጵያን ኣመሪካን ብምውንጃል ክሽፍኖ ይፍትን ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: April 3, 2014

Failed diplomacy

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኹሉ’ቲ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተንብረሉ እገዳ ብሰንኪ ወያነን ኣመሪካን’ዩ ክብል ምውንጃሉ፣ እቲ መንግስቲ ዘለዎ ናይ ዲፕሎማሲ ድኽመት ባዕሉ ይእመን ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ይጠቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብተኸታታሊ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ብወያነ ዝተዳለወ ሰነዳት ዝበሎ ወረቓቕቲ፣ ምስጢር ከምዝኸሽሐ ከጋውሕ እኳ ይህቕን እንተሎ፣ እቲ ሰነዳት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንጻር ጸላኢት’ያ ዝበላ ሃገር ንዘካይዶ ተራ ናይ ዲፕሎማሲ ዘመተን ተልእኾታትን ዝሓቖፈ’ዩ ክብሉ’ውን ኣቃሊዖም።

 

መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታቱን እገዳ ንኸይትግበር ከካይድዎ ንዝነበሮም ጻዕሪ ምፍሻሉ፣ እቲ ናይ ዲፕሎማሲ ድኽመት ንምፍዋሱ ኣብ ክንዲ ሓድሽ ነገረ ምትእትታው፣ ንወያነን ኣመሪካን ምውንጃል እቲ ዝሓሰረ ናይ ዲፕሎማሲ ጸወታ ምዃኑ’ውን ኣስሚሮምሉ።

ብመሰረት እቲ ናይቶም ዲፕሎማሰኛታት ትንታነ፣ ነዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት፣ ኣብ ኤርትራ ንዝርአ ዘሎ ጸገማት ተሓተቲ ወያነን ኣመሪካን’ዮም ጥራይ ክብል ምድግጋሙ፣ መንግስቲ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ኣብ ዲፕሎማሲ ተዳኺሙ ከምዘሎን ካልእ ስልትን ስትራቴጂን ክውጥን ከምዘይክእልን ዘነጽር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወያነን ኣመሪካን ዝብል ዘመተታት ስለዝተደጋገሞ፣ ንዝኾነ ዘጋጥም ነገረ እዛ ተካሊት ኣመሪካ’ያ እናበለ እልቢ ዘይብሉ ዋዛታት ምሂዙ ከምዘሎ ሓደ መርኣያ ድኽመት ዲፕሎማሲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ኣረዲኦም።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሕዶም ውዲታት ክኣልሙ ከም ንቡር ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ዝተወስደ’ዩ ዝብሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ንመንግስታት ካልኦት ሃገራት ናብ ናትካ ወገን ከምዝዛዛዝዉ ምግባሩ ግና፣ ዘለካ ናይ ዲፕሎማሲ ብልጫ’ዩ ዘመልክት ክብሉ’ውን ደምዲሞም።

መንግስቲ ኤርትራ ምስጢራት ዘቃልዕ ሰነዳት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ረኺበ ብምብላ ብተኸታታሊ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ትሕዝቶ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክጸንዕን፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ንምጻሉን ናብ ኩለን ኤምባሲታቱ ዘመሓላለፎ ተልእኾታት ዝሓቖፈ’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0