Radio Erena: 25 June 2019
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ስልጣን ተቖጻጺሩ ንዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 24 ሰነ ናብ ከተማ ካርቱም ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ምስ ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ከምዝተራኸበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።
ኣብቲ ርክብ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተላእከ ደብዳበ ድሕሪ ምርካብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ’ቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ደው ኢሉ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብዚ ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ ናይ መሰጋገሪ እዋን ትርከበሉ ዘላ ህሞት፣ እቲ ወተሃደራዊ ቆንስል ጸጥታ ኣብ ምውሓስ ዕዙዝ ተራ ከምዝጻወት፣ መንግስቲ ኤርትራ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን መጺኡ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ፣ እታ ሃገር ምስ ኤርትራ ዝህልዋ ዝምድና ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት’ዩ ክብል ገሊጹ።
እቲ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ወተሃደራዊ ቆንስል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን፣ ከምኡ’ውን ለተናል ጀነራል ሸምሸዲን ቃባሺ እውን ከምዝተራኸበ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ወተሃደራዊ ጉጅለን ዘተ ሰላም ንምጅማር እማመ ኣቕሪባ፣ ትሰርሓሉ ኣብ ዘላ እዋን እያ፣ ኤርትራ ነቲ ንህዝባዊ ናዕቢ ጨውዩ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ደገፋ ደጊማ ተረጋግጽ ዘላ።