ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፤ ንእማመ ኢትዮጵያ ከምዘይተቐበሎ ገሊጹ

Radio Erena: 25 June 2019

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተቐበሎ ገሊጹ።

ለተናል ጀነራል ሸምሸዲን ቃባሺ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ሰራዊት ንእማመ ሰላም ኢትዮጵያ ብመትከል ተቐቢሉዎ ደኣምበር ዝርዝር ትሕዝቶኡ ገና ብሕጂ ክርእዮ ሙዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ዘተ ሰላም ናይ ምድንጓይ ምላሽ፣ ድሕሪ ዑደት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ንምዃኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

እቲ ወሃብ ቃል ኣብ መግለጺኡ፣ ሰራዊት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ እማመ ከምዝቕበልን ንሱ ቀዲሙ ከምዝመጸን ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ብሓባር ኣብ ሓደ እማመ ክትበጽሕ ጸዊዑ።

ብመሰረት ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ እማመ፣ ዝቐውም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብ7 ሲቪላውያንን 7 ወተሃደራውያንን፣ ሓደ ከኣ ዘይሻራዊ ዝኾነ ሲቪላዊ ውልቀሰብ ክኸውን ዝብል’ዩ።

ሓያሎ ወገናት ነዚ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ናይ ሽምግልና ስጉምቲ ደገፎም ክገልጹ እንከለዉ፣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ደገፍ ንወተሃደራዊ ቆንስል ጥራይ ግና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይህልዎ ስግኣት ከምዘሎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0