መንግስቲ ኤርትራ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ምፍትሑ መንግስቲ ኣመሪካ ብሓጎሶ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ምፍትሑ መንግስቲ ኣመሪካ ብሓጎሶ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ

Radio Erena: 28 January 2015

USer

መንግስቲ ኤርትራ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቀይዶም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ገጠምትን ስነ ጥበባውያንን ብዋሕስ ምፍትሑ መንግስቲ ኣመሪካ ብሓጎስ ከምዝተቀበሎ ገሊጹ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ትማሊ 27 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ንምፍታሕ እቶም ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ብሓጎስ እኳ እንተተቀበሎ፣ ገና ሕጂ’ውን ኣስታት 17 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ምህላዎም ከምዘተሓሳስቦ ኣስሚርሉ።

 

ኣመሪካ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት፣ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ፖለቲከኛታትን ካልኦት እሱራትን ክፈትሕ ኣብቲ ትማሊ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ዝዘርግሓቶ መግለጺ ጻውዒት ኣቕሪባ።

መንግስቲ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ከኽብር’ውን ተማሕጺና።

ኣቐዲሞም ንምፍታሕ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብሓጎስ ካብ ዝተቀበልዎ ኣህጉራውያን ትካላ፣ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ (RSF)፣ ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት (CPJ)ን ፔን ኢንተርናሽናልን ይርከብዎም።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0