መንግስቲ ኤርትራ ፍላይኦሎምፒክ ምስ ዝተባህለ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ግዝያዊ ስምምዕ ከቲሙ

መንግስቲ ኤርትራ ፍላይኦሎምፒክ ምስ ዝተባህለ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ግዝያዊ ስምምዕ ከቲሙ

Radio Erena: April 21, 2014

fly ol

መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ካብን ናብን ኣስመራን ሃገራት ኤውሮጳን ዝነበሮ በረራታት ድሕሪ ምቑራጹ፣ ነቲ ዘጋጠም ሃጓፍ ንምምላእ መንግስቲ ኤርትራ ፍላይኦሎምፒክ ምስ ዝተባህለ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ግዝያዊ ስምምዕ ከቲሙ።

እቲ ፍላይኦሎምፒክ ዝተባህለ ኣገልግሎት መጓዓዝያ መንገዲ ኣየር፣ ብመሰረት እዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣትዩዎ ዘሎ ስምምዕ ናብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልምን ለንደንን ቀጥታውን ዝተኣሳሰርን በረራታት ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

 

መንገዲ ኣየር ቱርኪ’ውን ካብን ናብን ኣስመራን እስታንቡልን ናይ ቀጥታውን ናብ ከተማታት ኤውሮጳ ዘተኣሳስርን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምጅራም ተደላዩ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሰንኪ ክሳራታትን ውሕስነት ዘለዎ ኣገልግሎት ክህብ ብዘይምኽኣሉን ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ደው ክብል እንከሎ፣ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ድማ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሎሊ መንግስቲ ኤርትራ እናኸረረ ዝመጸ እገዳን ናብ ኤርትራ ዝካየድ በረራታት ዘለዎ ክሳራታትን ናብ ኣስመራ ዘካይድዎ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ከምዘበለ ይዝከር።

እዚ ካብን ናብን ኣስመራን ስቶኮልምን ከምኡ ድማ ኣስመራ ሎንደን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምክያድ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ሽወደን ምዃኑ ዝንገረሉ መንገዲ ኣየር ፍላይኦሎምፒክ፣ ካብ ወርሒ ሰነ ኣገልግሎቱ ክጅምር ምዃኑን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ኩነታቱ ብምግምጋም፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝካየድ በረራታት ንምቕጻሉ ወይ ንምቑራጹ ክውስን ምዃኑ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ደገፍቱ ናይ ክርምቲ ዕረፍቶም ኣብ ኤርትራ ከሕልፍዎ ካብ ዘለዎ ድሌት፣ ነቲ ተበቲኹ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ በረራታት ንምስላጥ ምስ መንገዲ ኣየር ቱርክን ፍላይኦሎምፒክን ስምምዓት ንምውድእ ተብተብ ክብል ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንገረሉ።

እቲ መንግስቲ ነተን ኣብ እዋን ክራማት ክረብሐን ዝኽእል ናይ ደገፍቲ ፖለቲካዊ መኽሰብን እቶተንን እንተዘይኮይኑ ንነዊሕ ዝጠመተ ውሑስ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያን ክሓስብ ብዘይምኽኣሉ ድማ ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹልና ወገናት ነቒፎም።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0