‘መንግስቲ ኤርትራ፣ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ዝሕሰመሉ ዘሎ ምኽንያት ኣይፈለጥናን።’ ክብል ኣፍሪቃዊ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ገሊጹ

Radio Erena: 05 January 2022

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታቱ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ከይረኽቡ ዝኽልክለሉ ዘሎ ምኽንያት ብንጹር ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣፍሪቃዊ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 55 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እታ እንኮ ክታበት ዘይጀመረት ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ዝገለጸ ዳይረክተር እቲ ማእከል፣ ዶክተር ጆን ንኬንጋሶን፣ ክታበት ናብ ዘድልዮም ዜጋታት ኤርትራ ንምብጻሕ ከይተሓለሉ ክጽዕሩ ምዃኖም ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተማእከለ፣ ክታበት ብሓገዝ ናይ ምብጻሕ መደብ ኮቫክስ፣ ክሳብ እዚ እዋን ተሓሲሙ እኳ እንተሎ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣናት መንግስቲን ናብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምጋሽ ዕድል ዝረኸቡ ዜጋታትን ግና ከምዝተኸትቡ ይግለጽ።

ኣብ ኤርትራ፣ ክምርመር ንዝደለየ ኩሉ ከባጽሕ ዝኽእል መርመራ ኮረና ቫይረስ እኳ እንተዘየለ፣ ብሕማም ይኹን ካልእ ምልክታት ናብ ማእከላት ጥዕና ካብ ዝኣተዉ ሰባት’ሞ መርመራ ክግበረሎም ካብ ዝኽኣሉ ዜጋታት ግና ዛጊት ልዕሊ 8 ሽሕ በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ 76 ድማ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና የረጋግጽ።

ኮረና ቫይረስ፣ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላቅ ፈጢሩ ክነሱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንምግታኡ፣ ብዘይካ ዕጽዋ ወይ ውሸባ ካልእ ኣማራጺታት ከተኣታቱ ኣይተራእየን።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ክታበት፣ ንሓደገኛነትን ናህሪን እቲ ቫይረስ ከምዘህድእ ብክኢላታት ኣብ ዝተረጋገጸሉ፣ እቲ መንግስቲ ብውሕዱ፣ ነቲ ቫይረስ ብቀሊሊ ከቃልዑ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና፣ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ኣረጋውያንን ቀዳምነት ዝሃበ፣ ናይ ክታበት መስርሕ ክጅምር ዘይደለየሉ ምኽንያት ወግዓዊ መብርሂ’ውን ኣይሃበሉን።

ከም ፋይዘር፣ ሞደርና፣ ኣስትራዜነካን ጆንሰን ኤንድ ጀንሰን ዝኣመሰለ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ክታበታት፣ ነቲ በብእዋኑ ባህርያቱ ዝቕይር ዘሎ ኮረና ቫይረስ፣ ዝሓሸ መግትኢ ምዃኑ እኳ እንተተኣምነሉ፣ ሳሕቲ’ውን ከም ምርጋእ ደም፣ ወቕዒ ልቢን ምእሳር ጭዋዳታትን ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ይጥቀስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0