መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ንዝፍነወሉ መጥቃዕቲ ንምክልኻል መሰል ከምዘለዎ ገሊጹ

Radio Erena: 17 May 2022

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ንዝፍነወሉ መጥቃዕቲ ንምክልኻል መሰል ከምዘለዎ፣ ብሰሉስ 17 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ሓተትኡ፣ ‘ጃንዳ ወያነ’ ንዝበሎም ሓይልታት ትግራይ፣ ናይ መወዳእታ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ንምክያድ ምድላዋቶም ከምዝወድኡ ብምጥቃስ፣ “ካብ ሕሉፍ መሪር ተመኲሮኦም ስለዘይተማህሩን ዘይመሃሩን፣ ህልቂት ናይ’ቲ ብስሙ ዝመጻደቑ ህዝቢ ትግራይ ስለዘየሕምሞም፣ እቲ እንኮ ዝዓጦም ነገር ስልጣኖም ጥራይ ስለዝኾነ፣ ሕጂ ንሳልሳይ ግዜ ከበሮ ኲናት ይሃርሙ ኣለዉ።” ክብል ኣመልኪቱ።

ኣብ 1998 ከምኡ ድማ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት፣ ጠንቑ ወያነ ‘ዩ ዝበለ እቲ ሓተታ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ናይ ዝዳለውሉ ዘለዉ ሳልሳይ መጥቃዕቲ፣ ብዘይካ’ቲ ንኤርትራ ብምውራር፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ምምስራት፣ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ‘ውን ዶብ ሱዳን ንምኽፋት ዘንቐደ ምዃኑ ኣሚቱ።

እቲ ሓተታ ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ደገፍቲ ትግራይ ንዝበሎ ስሞም ንዘይጠቐሶም ኣካላት፣ ብስም ሰብኣዊ ሓገዝ መግቢ፣ ነዳዲን መድሃኒት ብምእታው፣ ወያነ ይዳለወሉ ኣሎ ንዝበሎ ኵናት ቡራኼ ከምዝገበርሉ ወቒሱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0