መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም ሓሙሽተ ወንጌላውያን ለቒቑ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም ሓሙሽተ ወንጌላውያን ለቒቑ

Radio Erena: 07 August, 2014

Eva

መንግስቲ ኤርትራ ካብ 26 መጋቢት ኣትሒዙ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ የእትዎም ዝጸንሐ ወዶም ንፕረዚደንት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ ዝርከቦም ሓሙሽተ ወንጌላውያን ኣባላት እታ ቤተክርስትያን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝፈትሖም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

እቶም ድሮ ናይ ክህነት ማዕረግ ኣብ ዝወስድሉ ዕለት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሓሙሽተ መንእሰያት ወንጌላውያን፣ ብወግዒ ዝተመስረተሎም ሕጋዊ ክሲ እኳ እንተዘይነበረ፣ ናብ ጴንጤቖስጣል ዛዚኹም ዝብል ጠቐነ ጥራይ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

 

እቶም መንእሰያት ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ብሃንደበት ዝተለቕሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ብዘይካ’ዞም ሓሙሽተ መንእሰያት፣ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝነበሩ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ መንእሰያት’ውን ከምዝተፈትሑ ይዝረብ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ’ ዝብል፣ ዝዘርግሕዎ እዋናዊ መልእኽቲ፣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝመሓደር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክሳብ ኣዚ እዋን’ዚ ንጽልዋን ሳዕቤናትን ናይቲ መልእኽቲ ኣብ ምክትታልን ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ተዋፉሩ ከምዘሎ’ውን እቲ ዝበጽሓና የረድእ።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0