መንግስቲ ኤርትራ፣ ንተቓወምቲ ቤጃ ናይ ሱዳን ኣብ ከባቢ ኬሩ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘቖመሎም ይግለጽ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንተቓወምቲ ቤጃ ናይ ሱዳን ኣብ ከባቢ ኬሩ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘቖመሎም ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 23 May 2016

Kes Tes

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንተቓወምቲ ቤጃ ናይ ሱዳን ኣብ ከባቢ ኬሩ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝሙሎም ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ኣቓሊዖም።

እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ንሬድዮ ዳባንጋ ብምጥቃስ ኣብ 19 ግንቦት ዘቕረበቶ ዜና ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ቁሸታት ዘካይድዎ ዘለዉ ተፍትሽ’ውን ምስዚ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እቲ ኣብ ከባቢታት ታሕዳይ፣ ካራዪት፣ ሸላልብን ከሰላን ዝተኻየደ ተፍትሽን ወትሃደራዊ ምቁጽጽራን፣ ካብ ዓሌት ቤጃ ንዝኾኑ ዕጡቓት ግንባር ምብራቕ ሱዳን ነበር ንምህዳን ምዃኑ ሬድዮ ዳባንጋ ካብ ኣምስተርዳም ምጥቃሳ ይዝከር።

 

ብመሰረት እቶም ወትሃደራውያን ምንጭታት ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ከኣ፣ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ኬሩ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ካብ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ቤጃ ናይ ሱዳን፣ ሃዲዶም ናብተን ቁሸታት ድሕሪ ምእታዎም፣ ብ16 ግንቦት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንምህዳኖም ኣብ ዘካየድዎ ፈተነ ተዅሲ ከምዝተላዕለ የመልክት።

እቲ ዝተኻየደ ቶኵሲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቱን ካልኣይ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ምንባሩ’ዮም እቶም ወትሃደራውያን ምንጭታት ዝጠቕሱ።

እንተኾነ ካብ ወገን መንግስቲ ሱዳን ይኹን ዕጡቓት ቤጃ ዝተዋሕበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ብዕጡቓት ተቓወምቲ ቤጃን ራሻይዳን ዝቖመ ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ ዕጥቁ ብምውራድ ምስ መንግስቲ ሱዳን ንኽጽንበር ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ዝበዝሑ ኣባላት ቤጃ፣ እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል ኣብ ከሰላን ፖርት ሱዳንን ተደጋጋሚ እዋን ተቓውሞታት ክውድቡ እንከለዉ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ከኣ ዳግም ዕጥቖም ከልዕሉ ተገዲዶም ምህላዎም ይገልጹ።

ይኹን’ምበር ነቲ ናይ 2006 ስምምዕ ብመንጎኝነት ዝመርሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብምባል ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ብረቶም ዘልዓሉ ኣባላት ቤጃ ክጥርንፎም ይርአ ምህላዉ’ዮም ዘገንዝቡ ወትሃደራውያን ምንጭታት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0