መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ስግረ ዶብ እሱራት ይፈትሕ ምህላዉ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ስግረ ዶብ እሱራት ይፈትሕ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena : 10 September, 2014

Prisoners

መንግስቲ ኤርትራ ብስግረ ዶብን ካልእ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ምኽንያታትን ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ምእሰርቲ ከምዝለቐቐ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ካብ ባረንቱ፣ ተሰንይ፣ ዓላን ካልኦት ኣብያተ ምእሰርቲን ዝተፈትሑ እሱራት ስግረ ዶብ፣ ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት ንኽእሰርቱ ዝተበየነሎም ኮይኖም፣ መብዛሕቶም ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ’ዮም ተለቒቖም ዘለዉ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ እሱራት ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዘይብሉ ብምዃኑ፣ እዚ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣዋርሒ ኣትሒዙ ዝወሰዶ ናይ ስግረ ዶብ እሱራት ናይ ምፍታሕ ተበግሶ ህዝቢ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ይህበሉ ኣሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0