መንግስቲ ኢጣልያ፣ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን  መድሃኔ’ዩ” ኢሉ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ኤርትራ መንእሰይ ጽባሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

መንግስቲ ኢጣልያ፣ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ’ዩ” ኢሉ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ኤርትራ መንእሰይ ጽባሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

Radio Erena: 14 June 2016

Med Doc

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ ይሕደጎ’ዩ ኢሉ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ኤርትራ መንእሰይ ጽባሕ ሮቡዕ 15 ሰነ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቀርብ’ዩ።

እቲ መንእሰይ ዝሓለፈ ዓርቢ 10 ሰነ’ውን ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፣ ብ29 ግንቦት ኣብ ካርቱም ተታሒዙ፣ ብ7 ሰነ ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣብ ከተማ ሮማ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ’ዩ ተቀይዱ ዝርከብ።

 

እቲ ተራ ስደተኛ ምዃኑ ዝእመን መድሃኔ ተስፋማርያም ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ምስቲ ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ ይሕደጎ ናይ ኣስማት ምግጋይ ከምዝነበረ እኳ እንተኣመነ፣ ምስቲ ብዝልዓለ ዝህደን ዘሎ መድሃኔ ናይ ቴሌፎን ምልውዋጥ ስለዝነበሮ ግና ጉዳዩ ገና ክጻረ ምዃኑ ከምዝተሓበረ ንጠበቕኡ ሚኪኤለ ካለንትሮፓ ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም።

ንመድሃኔ ተስፋማርያን ብምሓዝ ንሓይልታት ጸጥታ ኢጣልያን ብሪጣንያን ዘረከበ መንግስቲ ሱዳን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እቲ ብዝልዓለ ዝህደን ዘሎ መድሃኔ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዉ’ውን ይንገር።

እንተኾነ ብሪጣንያን ኢጣልያን፣ ንድምጺ መድሃኔ መርእድ ብቴሌፎን ካብ ዝተለዋወጢ ሓበሬታ ብምእካብ ምስ ድምጺ ናይዚ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ መድሃኔ ይሕደጎ ከምዘነጻጸርዎ’ውን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

መድሃኔ ተስፋማርያም ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ብዝቐልጠፈ ብናጻ ክልቐቕ ጠበቓኡ ሚኪኤለ ካለንትሮፓ እኳ እንተሓተተ፣ ቤት ፍርዲ ሮማ ግና ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ሲቺልያ ክርአ ኣሰጋጊርዎ።

በዚ መሰረት ጉዳይ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ጽባሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ፓሌርሞ ክቐርብ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0