መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዱ ስለዘሎ፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ምስ ግብጺ ክዝቲ ቅሩብ ኣይኮነን ክብል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ገሊጹ

Radio Erena: 11 October 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዱ ስለዘሎ፣ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ምስ ግብጺ ክዝቲ ቅሩብ ከምዘይኮነ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ግብጺ ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ንሱ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ድሕሪ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ዘተ ምስ ግብጺ ክጅምር ምዃኑ መብጽዓ ከምዝኣተወሉ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመ ‘ውን፣ ዳግማይ ክረኽቦ እኳ እንተኸኣለ፣ መጽዕኡ ከተግብር ግና ከምዘይካለ ፕረዚደንት ኪር ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ ጠቒሱ።

ፕረዚድነት ኪር ብተወሳኺ፣ ሱዳን ገጢሙዋ ንዘሎ ብድሆታት፣ ግብጺን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ይተሓጋገዝኣ ምህላወ ኣስሚርሉ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0