መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊቱ ክሲ መስሪቱ

Radio Erena: 06 June 2021

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ፈጺሞም ዝበሎም 53 ኣዘዝትን ተራን ኣባላት ሰራዊት ክሲ መስሪቱሎም።

ፈደራላዊ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ማይ ካድራ ምስ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባት ብዝተኣሳሰር 200 ሰባት ተለልዮም ከምዘለዉ፣ 23 ካብኣቶም ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ ከምዘሎ’ውን ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ንኽጻረይ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ፈደራል ፖሊስ ወንጀል መርመራ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ገለ ካብቶም ብከቢድ ገበን ተኸሲሶም ዘለዉ 53 ኣባላት ሰራዊት ድሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ፣ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሕ ሕጊ’ታ ሃገር ሓቢሩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምእላይ፣ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር ብተደጋጋሚ ንዘቕረቦ ጻውዒት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ‘ምኽባር ጸጥታ’ ኢሉ ዝሰመዮ ኲናት፣ ኣብ ሓጺር እዋን ክዛዝሞ’የ ብምባል፣ ነቲ ጻውዒት ኣይተቐበሎን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0