መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ላዕለዋይ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ዝሃቦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሪቖም

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ላዕለዋይ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ዝሃቦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሪቖም

Radio Erena: 16 July, 2014

Grad Eri Refu

ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ካብ ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓያሎ ካብኣቶም ብዝሃቦም ናይ ላዕለዋይ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብቀዳማይን ማስተርስ ድዲግርን ከምዝተመረቑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እቶም ብዝተፈላለየ ዓውድታት፣ ትምህርቶም ክከታተሉ ዝጸንሑ 10ታት ተማሃሮ፣ ኣብ ዝተመረቕሉ እዋን፣ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንዝገበረሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም።

 

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣስታታት 80 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም ዝበዝሑ ኣብ መዓስከራት ክዕቖቡ እንከለዉ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ከተማ ዑቕባ ተዋህብዎም ከምዝነብሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ነቶም ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት፣ ጽምኣትን ልዑል ድሌትን ናይ ትምህርቲ እናሃለዎም ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከከም ደረጅኦም ማሃደረ ትምህርቲ ክህቦም ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0