መንግስቲ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ኣብ ቀይዲ የእትዩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ኣብ ቀይዲ የእትዩ

Radio Erena: April 30, 2014

rsf

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናዕቢ ንምልዕዓል ሰሪሕኩም ኢሉ ንዝኸሰሶም ትሽዓተ ጋዜጠኛታትን ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ሰባት- ብሎገርስን ኣብ ቀይዲ ብምእታዉ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ጋዜጠኛታት ኮኒኖም።

ኮሚተ ተጣበቕቲ ጋዜጠኛታትን ሪፖርተራት ብዘይ ዶብን (RSF) ዝተባህሉ ክልተ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ቀይዲ የእትዎም ዘሎ ምስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ብዝቐልጠፈ ክለቖም’ውን ጸዊዖም።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2005 ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ ዝተወልዐ ግጭት ዝኣሰሮም ብዝሒ ጋዜጠኛታት፣ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካልኣይ’ዩ ዝስራዕ።

እቶም ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዞም ብምልዕዓል ናዕቢ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ብሎገራትን፣ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡ’ውን ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሽመልስ ከማል ብዛዕባ’ዚ ኩነታት ምእሳር ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ መብርሂ ክህብ ንዝቐረብሉ ሕቶ ድማ፣ ኣነ ዝፈልጦ የብለይን ከምዝበለ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።
===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0