መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዘቕረበሉ ናይ ሰላም ጸውዒት ከምዘየለ ኦነግ ገሊጹ

Radio Erena: 31 March 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዘቕረበሉ ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘየለ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ገሊጹ።

እቲ ግንባር፣ ብ29 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ መንግስቲ ናይ ሰላም ጻውዒት ጻዕርታት ጌረ ዝብሎ ዘሎ፣ ኣባላት ኦነግ ዕጥቖም ፈቲሖም ኢዶም ክህቡ፣ ብመንገዲ ዓበይቲ ዓዲ ንዘካየዶ ዘይዕዉት ፈተነ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ፣ ብውሕዱ 10 ግዜ ፈተነታት ኣካይድና ምባሉ፣ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ’ዩ ክብል ኦነግ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

እንተኾነ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ብመንጎኝነት ሳልሳይ ኣካል ንዝካየድ ዝርርብ ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዘለዋ 20 ዞባታት፣ ብውሕዱ ኣብተን 8 ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታቱ ብምውፋር፣ ነቲ ዞባታት፣ ካብ ዕጡቓት ኦሮሞ ሓራ ክገብሮ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ እንኮ ኣማራጺ ዘተ ሰላም ጥራይ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ጻዊዒት የቕርቡ።

==========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0