መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፌስቡክ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ንዝጸንሐ ዜጋኡ ብሽበራ ከሲሱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፌስቡክ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ንዝጸንሐ ዜጋኡ ብሽበራ ከሲሱ

Radio Erena: 11 May 2016

faceb

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት ብመንገዲ ፌስቡክ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ከምዝጸንሐ ዝተጠቕሰ ኢትዮጵያዊ፣ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ።

እቲ ኣብ ፌስቡክ ብዝጸሓፎ መልእኽታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግብረ ሽበራ ከሲስዎ ዘሎ፣ ዮናታን ተስፋዮ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ፣ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ብሰማያዊ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ሰልፊ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣንጻሩ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፣ ኣብ ፌስቡክ ዝጽሕፎ ዝነበረ ሓበሬታ ንተቓወምቲ ኦሮሞ ዘበራትዕን ኣብ ክልል ኦርሞያ ናዕብን ዕግርግርን ዘጎሃህር’ዩ ዝብል ነጥብታት ይርከቦ።

 

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ተኸቲላ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተሓተ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ምዃና ጸብጻብ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ጋዜጠኛታት የመልክት።

እታ ሃገር ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰልን ካልእ መሰል ዜጋታታን እትሕርም’ያ ተባሂላ’ውን ኣብ መዝገብ ናይተን መሰል ዜጋታተን ብምግሃስ ቀዳሚ ቦታ ዝሓዛ ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ ትርከብ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ብዝሰገሩ ዕጡቓት ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጨውዩ ልዕሊ 100 ቆልዑ፣ እቶም 19 ከምዝተለቁ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ነቶም ዶብ ብምስጋር 208 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፣ ልዕሊ 125 ቆልዑ ጨውዮምን ኣስታት 2 ሽሕ ከብቲ ከኣ ዘሚቶምን ዝተሰወሩ ካብ ዓሌት ሙርለ ዝኾኑ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ንምህዳን ወትሃደራዊ ስርሒት ኣብ ምክያድ ከምዘሎ እኳ እንተተገልጸ ዛጊት ክረኽቦም ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

እቶም ዕጡቃት ካብቶም ዝተጨውዩ ልዕሊ 100 ቆልዑ ነቶም 19 ዝለቕቕሉ ምኽንያት’ውን ኢትዮጵያ ብእተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ዘይኮነ፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዝተበጽሐ ምርድዳእ ምዃኑ ቢቢሲ ይጠቕስ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0