መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ናይ ዝጠፍአ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ደላይ ፍትሒ ሃለዋት ከፍልጥ ይሕተት

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ናይ ዝጠፍአ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ደላይ ፍትሒ ሃለዋት ከፍልጥ ይሕተት

Radio Erena: 13 July 2018

Ermias 2

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይቲ ካብ 21 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ጠፊኡ ዘሎ ሓደ ካብ ንጡፋት ደላይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ- ሽወደናዊ ኤርምያስ ተኪኤ ሃለዋቱ ከፍልጥ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መቓልስቱን ይሓቱ ኣለዉ።

ንሳቶም ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ኣብ ዝሰድዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ኤርምያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ሆቴል ብክልተ ሰባት ተወሲዱ ደሃይ ከምዝጠፍአ’ዮም ዘመልክቱ።

ሓደ ካብ ንጡፋት ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኣብ መጀመርያ 30ታት ዝርከብ ኤርምያስ ተኪኤ፣ ብ4 ግንቦት ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታው፣ ካብቲ ዓሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ብ21 ግንቦት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተወሲዱ ከምዝተሰወረ’ዮም ስድራቤቱ ንሬድዮ ኤረና ምርግጋጾም ይዝከር።

ፈለማ ንፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ድሒሩ ድማ ንኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሚኒስትሪ ጉዳያት ውጻኢን ከምዝሓበሩ ዝጠቐሱ እቶም ስድራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንጹር ምላሽ ኣይረኸቡን።

ኣብ ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ክህሉ ካብ ዝጽዕቱ ሓደ ዝኾነ ኤርምያስ ብሓደ ሓደ ዘይነጸሩ ጉዳያት፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ከምዘሎ’ውን ጽንጽንታ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባላት ስድራቤቱ፣ መቕርቡን ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ፈለጡን ኣብ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት፣ ኤርሚያስ ብዝኾነ ጉዳይ ተጠርጢሩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ እንተደኣ ሃልዩ፣ ሕጋዊ መስርሕ ክኽተልን ብዝቀልጠፈ ናብ ፍርዲ ክቐርብን ተማሕጺኖም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0