መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝበዝሐ ባጀት (ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር) ንምክልኻል ሰሊዑ

Radio Erena: 01 February 2022

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብመንግስቲ ንዝተሰልዐ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝበዝሐ ምዃኑ ዝተነግረሉ፣ ናይ 122 ቢልዮን ብር ወይ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቑ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ብ28 ጥሪ፣ ብፍሉይ ዋዕላ ኣብ ዝተጋብኣሉ፣ ነቲ መንግስቲ ዘቅረቦ ባጅት ንሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ብዓብላሊ ድምጺ ከምዘድቖ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሰልዖ 560 ቢልዮን ብር፣ ንምክልኻል 22 ቢልዮን ብር ጥራይ መዲቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ዚ ዝኾምሮ ዘሎ ብዝሒ ሰራዊት፣ ካብ ቱርኪ፣ ቻይና፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራት ድሮን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ኣጽዋርን ተተኮስትን ይሽምት ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 10 ሚልዮን ካብ ህዝባ ድማ ብሰንኪ ኵናትን ባህርያዊ ደርቂን፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ከምዘድልዮ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ያ ንምክልኻል ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ ዘላ።

ስእሊ፦ ዘ ሪፖርተር

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0