መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን2,345 እሱራት ምሕረት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን2,345 እሱራት ምሕረት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 28 January 2018

oromia prtstሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ን2,345 እሱራት ምሕረት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቶም ብሓሙስ 25 ጥሪ ኣብ ከተማ ቆቦ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ ሰባት፣ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ዝወሰደ ካልእ ተቓውሞ ንምድጋፍ እዮም ኣካዪዶሞ። እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝኸፈቱዎ ተኹሲ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ዝርከቦም ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓርቢ 26 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ 2015 ከምኡ’ውን ኣብ 2016 ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተሳቲፎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ 2,345 እሱራት ናጻ ክወጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ወሃብ ቃል ክልል ኦሮምያ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሒደት መዓልታት ምሉእ ምሕረት ተገይሩሎም ናጻ ክወጹ’ዮም ክብል ኣረጋጊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦሮሞ ኣቶ መረራ ጉዲና ዝርከቦም 22 እሱራት ከምዝፈትሐ ይዝከር።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ምፍታሕ’ዞም እሱራት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎኦ ክገልጻ እንከለዋ፣ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ከኣ ብቕጽበት ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመሬት ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምዕራግ በብእዋኑ ክለዓልን ክሃድእን ጸኒሑ’ዩ።

================================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0