መንግስቲ ኡጋንዳ፣ 12 ሽሕ ማሕበራት ክዕጸዋ ኣዚዙ

Radio Erena: 18 November 2019

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 12 ሽሕ ማሕበራት ክዕጸዋ ምእዛዙ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማርዮ ኦቢጋ ካኒኣ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ንሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኩለን ዘይመንግስታውያን ትካላት ዳግም ክምዝገባ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ኣብ ዝተመደበለን ግዜ ነቲ ቅጥዒ ዘማልኣ፣ ብወጻእተኛታት ዝመሓደራ ኣስታት 2 ሽሕ ጥራይ ምዃነን ኣስሚርሉ።

መብዛሕተን ብኡጋንዳውያን ዝካየዳ ኣስታት 12 ሽሕ ዝኾና ማሕበራት፣ ኣብቲ ዝተዋህበን ግዜ ክምዝገባ ብዘይምኽእለን ብህጹጽ ክዕጸዋ ተወሲኑ ምህላዉ ሚኒስተር ማርዮ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ 2021 ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ሲቪካውያን ማሕበራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ጸቕጢ ንምግባር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0