መንግስቲ ኔዘርላንድስ፣ ጽኑዕ ፖሊሲ ስደተኛታት ንምትግባር ይዳሎ

RADIO ERENA – Thursday, 16 May 2024
ብሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዝምራሕ መንግስቲ ሆላንድ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ጽኑዕ ፖሊሲ ንምትእትታው ይዳሎ ከምዘሎ፣ ኣብ ጀረምን እትሕተም ጋዜጣ ቢልድ ገሊጻ።
እታ ጋዜጣ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ድሕሪ’ቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተዓውተ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ፣ ምስ ኣርባዕተ ካልኦት ሰልፍታት ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ በጺሐናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን’ዩ፣ ጽኑዕ ፖሊስ ስደተኛታት ንምትግባር እማመ ዝቐርብ ዘሎ።
ዛጊት መራሒ መንግስቲ መን ምዃኑ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ንሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ብምውካል ዝተዓወተ፣ ጊርት ዊልደርስ፣ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና፣ እቲ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኣንጻር ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝቐንዐ ተሪር ፖሊስ ከተግብር ይዳሎ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።
ገለ ካብቲ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ንምግታእ ተሓንጺጹ ዘሎ ፖሊሲታት፣ ዶባት ኔዘርላንድስ ብጽኑዕ ምቑጽጻርን ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዘትባብዕ ረብሓታት ደው ምባልን ይርከቦ።
ቴሌግራፍ ዝተባህለት ጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብወገና፣ እቲ ሓድስ ፖሊሲ፣ ግዝያዊ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ምስራዝ፣ ንመስርሕ ምምላእ ቅጥዒን ሕጋዊ ከይድን ሓተቲ ዑቕባ ዝግበር ሓገዝ ምድራትን የጠቓልል።
ኣብ ርእሲ’ዚ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት፣ ካብ ኔዘርላንድስ ብግዴታ ዝስጎጉሉ መስርሕ ‘ውን ክትኣታቶ ምዃኑ ‘ዩ ተመልኪቱ።
ክሳብ እዚ ዝትግበር ድማ፣ ሓድሽ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ንመስርሕ ምቕባል ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ንግዜኡ ደው ከብል መደብ ከምዘለዎ ተገሊጹ።
ብዘያክ’ዚ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተማህሮ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ምጽባብ፣ ኣብ ኒዘርላንድስ ንዝነብሩ ኣመንቲ ምስልምና፣ ጸሎት ወይ ሳላት ንኸካይዱ ዝጽውዕ ኣዛን ቀይድታት ምግባርን ካልእን’ውን ኣካል ናይቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሓድሽ ፖሊስ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።
ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ የማናዊ ሰልፊ ኔዘርላንድስ፣ ነታ ሃገር ካብ ውሳኔታትን ፖሊስን ሕብረት ኤውሮጳ ክግልላ ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ተንተንቲ የረድኡ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0