መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ዳዒሽ’ዮም ዝበሎም ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ቀይዱ

መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ዳዒሽ’ዮም ዝበሎም ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ቀይዱ

Radio Erena: 16 July 2015

Isis Libya train

መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ’ዮም ዝበሎም ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ቀይዱ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተቐየዱ ሰለስተ ኣባላት ዳዒሽ ሓደ ኤርትራውን ክልተ ዜጋታት ማእከላይ ምብራቕን፣ ምዃኖም ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ኣቐዲሙ ምሕባሩ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ምስ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዳዒሽ ንምጽንባር ካብ ዝተበገሱ 12 ተማሃሮ ኮሌጅ፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከቦም ሰለስተ ካብ ቱርኪ ክመልስ ከምዝኽኣለ’ውን ተገሊጹ።

 

እቶም ዝተረፉ ግና ምስቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ተጸንቢሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ካብቶም ምስ ዳዒሽ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ተጸኒቢሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝግለጹ ዘለዉ ሱዳናውያን ክልተ ናይ ብሪጣንያ፣ ክልተ ናይ ካናዳ ሓደ ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ዝሓዙ’ዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኣንካራን ደማስቆን ዝርከብ ኤምባሲታቱ ምክትታሉ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ነበርቲ ሱዳን ዝኾኑ ሓያሎ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሊብያ ናብ ዝርከብ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ይጽንበሩ ምህላዎም ጽንጽንታታት ይስማዕ’ዩ።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ካብ ዒራቕን ሶርያን ሓሊፉ ኣብ ሊብያን የመንን ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ሱዳን’ውን ከይቀላቐል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0