መንግስቲ ሱዳን ናጻ ናይ ነፈርቲ ዞባ ማለት ‘’ኖ ፍላይ ዞን’’ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 17 January 2021

መንግስቲ ሱዳን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕቦ ዘሎ ከባቢታት ዶብ፣ ካብ ነፈርቲ ናጻ ክኸውን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
በዓል መዚ መጎዓዝያ ነፈርቲ ሱዳን (ሲቭል ኣቭየሽን) ብ15 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ከባቢታት ኣልፋሽጋ ናይ ገዳርፍ፣ ዝኾነት ወተሃደራዊ ነፋሪት ከይትሓልፎ ዝቕስብ ናጻ ናይ ነፈርቲ ዞባ ማለት ‘’ኖ ፍላይ ዞን’’ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።
እዚ ትእዛዝ ካብ 14 ጥሪ ዝተኣወጀሉ ዕለት ኣትሒዙ ግብራዊ ከምዝኸውን እኳ እንተፍለጠ፣ ነቲ ትእዛዝ ንዝጠሓሳ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ዝወሃብ ስጉምቲ ግና ኣየነጸረን።
ሱዳንን ኢትዮጵያን ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ኣብ ዶብ ዝርከብ መሬት፣ ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ድሕሪ ምዕራጉ፣ ሄሊኮፕተራት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ክዝንብያ ከምዝረኣያ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ፣ ማዕከናት ዜና ሱዳን የመልክታ።
ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ዶባዊ ወጥሪ ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ክፈትሕዎ ከምዝደልዩ ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ብግብሪ ግና ናብቲ ዘሰሓሕብ ዶባት፣ ሰራዊት ክጓርቱ እዮም ዝረኣዩ ዘለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ነቲ ብደቡብ ሱዳን ዝቐረበ ተበግሶ ሽምግልና ከምዝተቐበለ ገሊጹ’ዩ። ኤርትራ ንዘቕረበቶ ጠለብ ግና ከምዝነጸጎ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።
ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን በዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ናብ ኤርትራ፣ ጫድ፣ ደቡብ ሱዳንን፣ ስዑዲ ዓረብን ዑደት ኣካዪዱ እዩ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0