መንግስቲ ሱዳን ቀይድዎም ዝጸንሐ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ተለቒቖም

መንግስቲ ሱዳን ቀይድዎም ዝጸንሐ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ተለቒቖም

Radio Erena: 16 February 2016

ELF

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ 30 ጥሪ 2016 ኣትሒዙ ቀይዶም ዝጸንሐ ኣቶ ሑሰን ከሊፋን ኣቶ ዓብደላ ሓምዳይን ዝተባህሉ ክልተ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ለቒቕዎም።

ተሓኤ ብ14 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነዚ ብምርግጋጽ፣ እቶም ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ተቀይዶም ዝጸንሐ ኣባላት መሪሕነት ብጻዕሪ ህዝቢን ፖለቲከኛታትን ሱዳን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣካላትን ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ኣነጺሩ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሱዳን፣ ንኣቦ መንበር ተሓኤ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ካብታ ንነዊሕ ዓመታት ክቕመጠላ ዝጸንሐ ሱዳን ክወጽእ ከምዘገደደ’ውን ተሓኤ ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ ።

 

ኣቦ መንበር ተሓኤ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ወጺኡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘምርሐ’ዩ ተሓቢሩ።

እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ መሪሕ ቦታ ሒዞም ዝጸንሑ ኣባላት ተሓኤ፣ ኣብ ከሰላ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንክልተ ሰሙን ተቐይዶምሉ ዝጸንሑ ምኽንያት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተነጸረን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነዞም ክልተ ኤርትራውያን ብዝቐልጠፈ ክፈትሖም ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራትንክጽውዓ ጸኒሐን’የን።

እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ንኣባላት መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከምዝኣስርን፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ከይጸንሐ ከኣ ከምዝፈትሖምን ይፍለጥ።
===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0