መንግስቲ፣ ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ዘቕርብዎ ሕቶ፣ ብኣመሪካ ዝተደፋፍእ’ዩ ዝብል ወረ ይነዝሕ ኣሎ

መንግስቲ፣ ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ዘቕርብዎ ሕቶ፣ ብኣመሪካ ዝተደፋፍእ’ዩ ዝብል ወረ ይነዝሕ ኣሎ

Radio Erena: 13 June, 2014

Cat

ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናብ ህዝቢ ዝዘርግሕዎ እዋናዊ መልእኽቲ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ጉዳይ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ እቶም ጳጳሳት ብኣመሪካ ዝተደፋፍኡ’ዮም ዝብል ወረ ይነዝሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ወከልቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብኣመሪካ ዝተደፋፍኡ’ዮም ዝብል ወረ ከም ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ክርከቡ እንከለዉ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ከምቲ ልሙድ ብወረ ወረ ጥራይ’ዩ ዝሰጋገር ዘሎ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ነቶም ነቲ እዋናዊ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ካብተን ካልኦት መሓዙት ኣብያተ ክርስትያን ንምንጻል፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብቫቲካን ሃገራት ምዕራብን እትዝወር ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘይትሓሊ’ያ ዝብል ናይ ጸለም ጎስጓስ ይድፍኣሉ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝቀረብ መልእኽቲ፣ ንህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገራን ኣብ ግምት ዘእተወን  ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ክዛረበሉ ዘይደፈረን ነጥብታት ብምዃኑ፣ ንትብዓት እቶም ጳጳሳትን ኣብ ኣገልግልቶም ዘለዎም ተወፋይነትን’ዩ ዘንጸባርቕ።

ኣብ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝቐረበ ናይ ለውጢ ሕቶ፣ መንግስቲ ነቶም ነቲ ሕቶ ዘቕረቡ ከም ናይ ኣስላም ምንቕስቓስ ክንጽሎም ክፍትን እንከሎ፣ ነዚ ብ25 ግንቦት 2014 ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝቐረበ መልእኽቲ ድማ ብኣመሪካ ዝተደፋፍአ’ዩ ክብል ይጉስጉሰሉ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ በቶም ኣብ 21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ዝቀረበ ሕቶ ይኹን በዞም ጳጳሳት ዝተዘርግሐ መልእኽቲ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክስታናዩ፣ ብቅዋም ዝመሓደር ሕጋውን ትካላዊን መንግስትን፣ ዜጋታታ ሰብኣዊ ክብሮም ተሓልዩሎም ዝነብሩላን ስደት ዘየማዕድዉላን ዴሞክራስያዊት ሃገርን ክርኢ ዘለዎ ሃረርታ ዘጉልሐ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0