መንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብ፣ ንሓደ ኤርትራዊ 11 ሽሕ ሪያል ክኽሕስ ብቤት ፍርዲ ተበይኑ

Radio: 08 March 2022

መንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ሜክሲኮ ንምጓዓዝ፣ ብስፔን ንኽትሓልፍ ናይ መስገሪ ቪዛ የብልካን ብምባል፣ ካብ ጉዕዞኡ ንዝመለሶ ኤርትራዊ፣ 11 ሽሕ ሪያል ክኽሕስ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከምዝወሰነ ሳውዲ ጋዜጣ ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፣ እቲ ወሊዲ መሓመድ ዝተሰምየ ኤርትራዊ፣ ብመንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ጀዳ ተበጉሱ ናብ ሜክሲኮ ከተማ ካንኩን ንምብጻሕን ብመንገዲ ኮርያ ኣቢሉ ድማ ናብ ጀዳ ንኽምለስን ‘ዩ መዲቡ።

እታ እተጓዕዞ ነፋሪት ድማ ብስጳኛ ከተማ ማድሪድ ክትሓልፍ ስለዘለዋ፣ ሰራሕተኛታታ ናይ ግድን ናይ ስጳኛ መሰጋገሪ ቪዛ ክህልወካ ኣለዎ ብምባል ኣውሪዶሞ።

ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስዑዲ፣ ነቲ ኤርትራዊ ነፋሪት ካብ ምስቃል ዝኸልከልሉ ምኽንያት ብተወሳኺ፣ ኣብ ስጳኛ ብምውራድ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓትት ‘ዩ ብዝብል ጥርጣረ’ዩ።

ወሊድ ናብ ቤት ፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፣ ብስጳኛ ክሰግር ናይ ትራንዚት ቪዛ ከምዘየድሎ ብምንጻር፣ መንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብ ንዝፈጠረሉ መሰናኽል ክኽሕሶ ጠሊቡ።

ኣብ ጀዳ ዝመደበሩ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ብይን፣ እቲ ኤርትራዊ ቅኑዕ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ መንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብ 11 ሽሕ ሪያል ወይ ኣስታት 2900 ዶላር ክኽሕስ በይኑ።

ወሊድ፣ ቤት ፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ብዝሃቦ ውሳኔ ዕጉብ ምዃኑ ሳውዲ ጋዜጣ ኣብቲ ብ6 መጋቢት ዘስፈረቶ ዓንቐጽ ጸብጺባ።

ንሱ ነቲ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ እንከሎ፣ ሓያሎ ቀረብቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንስዑዳዊ ትካል ከሲስካ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል ተስፋ ዘቑርጽ ዘረባን ላግጽን የዝንብሉ ምንባሮም ኣረዲኡ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0