መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: 01 September 2021
ሓደ መስከረም፣ መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ትዝከር ኣላ።

ባሕቲ መስከረም፣ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብሕጋዊን ሰለማዊን መንገዲ ዝተነፍገ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብብረት ተጋድሎ ንምርግጋጽ ዝተበገሰላ፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣገዳሲት ዕለት’ያ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብዛ ዕለት እዚኣ ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ 1991፣ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ፣ 10ታት ኣሽሓት መስዋእትን ስንክልናን ከፊሉ ከብቅዕ፣ ከም ባህጉ ውልቃዊ ሓርነቱን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ዝሕሉ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣይተተኽለን።

ብረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ስልጣን ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሓደ ሰብ ተባሒቱ፣ ኤርትራ፣ ብሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ካብ ዝምርሓ ሒደት ሃገራት ዓለም ኮይና’ያ ትርከብ።

ይኹን’ምበር፣ ባሕቲ መስከረም፣ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዘይክኣለ መሰላትን ሓርነትን ዜጋታት ከምኡ ድማ ምትካል ንህዝቢ ዝወከለ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ንምውሓሱ፣ ቃልሲ ዜጋታት ክቕጽል ከምዘለዎ እተዘኻኽር ዕለት ምዃና፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ ሓያሎ ኤርትራውያን የዘኻኽሩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Tesheme kidane 3 years ago

    It sums it all!!no matter how hard it is believe on the mass of Eritrea.