መቐለ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ሓደ መንእሰይ ተቐቲሉ

Radio Erena: 09 February 2021

ኣብ ትግራይ፣ ከተማ መቐለ፣ ሎሚ 9 ለካቲት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀንዐ ተቓውሞ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝበዝሑ መንእሰያት፣ ጎደናታት ብምዕጋትን ጎማታት መኪና ብምቅጻልን ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ወትሃደራት መንግስቲ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ሓደ መንእሰይ ከምዝተቐትለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኾነ መንእሰይ፣ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተወጊኡ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝበጽሓሉ ከምዝሞተ ንሓደ ካብ ሓካምም ናይቲ ሆስፒታል ብምጥቃስ እቲ ኣገልግሎት ዜን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጎደናታት ተወጊኦም ዘልዕሎም ዝሰኣኑ ከምዘለዉ’ውን እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ዶክተር ጠቒሱ።

መንእሰያት መቐለ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን ዘብጽሕዎ ዕንወት፣ ዝምታን ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽን ንምቛም ናብ ጎደናታት ከምዝወጽኡ ካልኦት ወገናት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ተቓውሞ ዝተኻየደ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩነታት መቐለ ናብ ንቡር ተመሊሱ፣ ህዝቢ ዕለታዊ ናብርኡ ይመርሕ ከምዘሎ ንምርኣይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ናብታ ከተማ ኣብ ዝልኣኸሉ እዋን’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፣ ሳህለወርቅ ዘውደ ምስ ኣዴታት መቐለ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ’ውን ተሪር ተቓውሞታት ከምዝበጽሓ’ዩ ተመልኪቱ።

ህዝቢ ትግራይ፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርቲን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣኼባታት፣ ሓያል ተቓውሞንታት የስምዕ ከምዘሎ በብእዋኑ ዝልሑኽ ዘሎ ናይ ቪድዮን ድምጺን ሰነዳት የረጋግጽ።

ብሰራዊት ኤርትራ ተደጊፉ፣ ሓያሎ ከተማታት ትግራይ ክቖጻጸር ዝኸኣለ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ብምእታው፣ ኩነታት ናብ ንቡር ናይ ምምላስን ናይ ምርግጋእን ስራሕን የካይድ ከምዘሎን እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ካብዚ ዝርሓቐ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0