መስመር ቡሬ – ደባይ ሲማን፣ ሰርሓ – ዛላምበሳን ብወግዒ ተኸፊቱ

መስመር ቡሬ – ደባይ ሲማን፣ ሰርሓ – ዛላምበሳን ብወግዒ ተኸፊቱ

Radio Erena: 11 September 2018

bure      መስመር ቡሬ ደባይ ሲማን፣ ሰርሓ ዛላምበሳን ብወግዒ ተኸፊቱ።

     ኣብቲ ብሰሉስ 11 መስከረም ዝተኻየደ ወግዓዊ ምኽፋት’ዚ መስመር፣ ፕረዚደንት ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ምልውዋጥ ሰላምታ ኣካዪዶም።

     ኣብ ዛላምበሳ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያን፣ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ካብ ሰንዓፈን ዓዲቀይሕን ዝመጹ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ዓድታት ተሳቲፎም።

     ድሕሪ ምኽፋት መስመር ቡሬ ደባይ ሲማ፣ ክልቲኦም መራሕቲ መስመር ሰርሓ ዛላምበሳ ብወግዒ ንምኽፋት ናብቲ ዞባ ድሕሪ ምምርሖም፣ ኣብቲ ኣብ ዛላምበሳ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል ተሳቲፎም።

 

     ኣብቲ በዓል፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ክሳተፉ እንከለዉ፣ ን20 ዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታትን ጎደቦ ዓድታትን ተራኺቦም።

     ኣብ መኽፈቲ’ቲ ጽምብል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ‘ዝኸሰርናዮ ክንጻባጸብ ኣብ ሕሉፍ ኣይክንነብርን ኢና። ንሕና ናይ መጻኢ ኢና ንሓስብ’ ብድሕሪ ምባል፣ ንሓድሽ ወለዶ መንእሰያት፣ ምዕባለን ሰላምን ደኣምበር ኲናት ኣይከነውርሶምን ኢና ኢሉ።adetat kissing

     ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሓይሊ ሰላም ምስ ረአኻ፣ ሰብ ስለምንታይ ኲናት ይመርጽ የብለካ ድሕሪ ምባል፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንግዚኡ ኣብ ልምዓት ክዋፈር፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ግን ብሓድሽ ቅርጽን ውዳበን ግቡእ ስልጠና ዝተዋህቦ ዘይሰዓር ሰራዊት ኣብ ምፍጣር ክንጽመድ ኢና ኢሉ።

      ምኽፋት’ዚ መስመራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣካል ናይቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየዱዎ ስምምዕ ብምዃኑ፣ ብክልቲኦም ወገናት ተቐቢሩ ዝጸንሐ ነተጉቲ ናይ ምጽራግ መስርሕ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ከምዘሎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ሰራዊት ካብ ዶብ ናይ ምስሓብ ምልክት ግና ዛጊት ከምዘይተራእየ እዩ ዝፍለጥ።

     ግንባራት ዛላምበሳን ቡሬን፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ክልቲኤን ሃገራት ዝወሰደ መረርቲ ውግኣት ዝተኻየደሉ ግንባራት ኮይኑ፣ ገና ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን በሰልኡ ዘይሃሰሰ’ዩ ክብሉ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0