መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ግኑን ስም ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ኮሚሽን መሰል ደቂንስትዮ ሕ/ሃ ክትመርሕ ተመሪጻ

Radio Erena: 26 April 2017

Saudi Women

መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ግኑን ስም ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ኮሚሽን መሰል ደቂንስትዮ ሕቡራት ሃገራት ክትመርሕ ተመሪጻ።

ኣብቲ ብምስጢር ዝተኻየደ ምርጫ፣ 12 ካልኦት ሃገራት’ውን ምስ ስዑዲ ዓረብ ንኮሚሽን መሰል ደቂንስትዮ ክመርሓ ተመሪጸን ኣለዋ።

እዘን ሃገራት ነዚ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት፣ ብዛዕባ መሰል ደቂንስትዮ ዓለምና ክከታተላን፣ መሰል ደቂንስትዮ ኣብ ዝግሃሰለን ሃገራት ከኣ ስጉምቲ ክውሰድ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከቅርባን’የን።

ይኹን’ምበር ብስም ሕጊ ሸሪዓ ናይ ሃይማኖት ምስልምና፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ውልቃዊን መሰላት ደቂንስትዮ ብምግሃስ ምስ ቀዳማት ሃገራት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ንመሰል ደቂንስትዮ ዝጣበቕ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ክምትመርሕ ምምዛዛ፣ ንሓያሎ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቖጢዑ ኣሎ።

“ካልእ ሲ ይትረፍ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ ይኹን ብዘይፍቓድን መሰነይታን ደቂተባዕትዮ ፖስፖርት ሒዘን ናብ ዝመረጽኦ ሃገር ክንቐሳቐሳ ኣይፍቀደለንን’ዩ” ዝበለ ሁማን ራይትስ ዎች፣ ስዑዲ ዓረብ ንኮሚሽን መሰል ደቂንስትዮ ክትመርሕ ሃገራት ብምስጢር ብዝሃብኦ ድምጺ ምድጋፈን፣ ንክብርን መሰልን ደቂንስትዮ ዓለም ዝነፍግ፣ ፖለቲካዊ ዕለማ ዘለዎ’ዩ ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0