መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ከምዘይቅየር ተገሊጹ

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሒዛቶ ዝጸንሐት ፖሊሲ ከምዘይትቕይሮ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝተጋብአ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ድሕሪ ምስታፉ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ዝምድና ምምሕያሽ ከምዘየለ ብምምልካት፣ ሕጂ’ውን እቲ እንኮ መፍትሒ፣ ዝርርብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ክወጽእ ክጠልብ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተውሰነ ከባቢታት ሰራዊታ ንምስሓብ ቅድመ ኩነታዊ ዝርርብ ከተካይድ’ያ ትሓትት ዘላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ድማ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝኾነ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከምዘይህሉን፣ ሕጂ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዝርርብ ክሳብ ዝመጽእ እቲ ኩነታት ብኸምዚ ዘለዎ ክቕጽል ምዃኑን ኣረጋጊጹ።
ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ምዕባለታት ከምጽእ ይክእል’ዩ ዝብል ትንታነታት ክወሃበሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝርርብ ድሉው ክሳብ ዘይኮነ ዝኾነ ለውጢ ከምዘይህሉ ደምዲሙ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0