መርድእ ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሻቕሎት እንሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ‘ኣመሪካ’ ጥራይ ምባሉ ህዝቢ ኣቖጢዑ

መርድእ ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሻቕሎት እንሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ‘ኣመሪካ’ ጥራይ ምባሉ ህዝቢ ኣቖጢዑ

Radio Erena: 11 August, 2014

Death Announc

ኣብ ከባቢ 27ን 29 ሓምለ ዝጠሓለት ጃልባ ናይ ዝሞቱ 155 ኤርትራውያን መርድእ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፣ ናይታ ኣብ 28 ሰነ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ደሃይ ዘጥፍአት ጃልባ ድማ ንህዝቢ ተወሳኺ ሻቕሎት ኮይንዎ ኣብ ዘለዉ ግዜ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንስድራቤታት ግዳያት እዚ ዘስንብድ ሓደጋ ሰብኣውነት፣ ርህራሄን ንዜጋታት ዝግባእ ክብርን ኣብ ክንዲ ምልጋስ፣ ወግሐ ጸብሐ፣ ‘ኣመሪካ’ ዘርእስቱ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝዋጠየሉ፣ መዝሙር ጥራይ’ዩ ይደጋግም ምህላዉ፣ ህዝቢ ኣቖጢዑ።

ህዝቢ ሓዘን ናይቶም ኣብ ላምቤዱሳ ዝሃለቑ 360 ኤርትራውያን ደቁ ሓዘኑ ከይዓጸወ፣ እንደገና ናይ 155 ኤርትራውያን መርድእ ፈቐድኡ ክበጽሕ ምጅማሩ፣ እሞ መንግስቲ ኤርትራ ድማ እቲ ሓዘን መላእ ህዝቢ ከምዘይምልከቶ ጎስዩዎ ክሓልፍ ምፍታኑ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ማዕረ ክንደይ ጋግ ተፈጢሩ ከምዘሎ ዘነጽር’ዩ።

 

ካልእስ ይትረፍ ነቶም ናብ ሳዋ ዝወርዱ ዝነበሩ ብ 4 ነሓሰ ብዘጋጥሞም ሓደጋ ኣውቶቡስ ህይወቶም ዝሰኣኑ 17 መንእሰያት’ውን ንምዝካር’ውን ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዘን’ውን ዘይምእዋጁ፣ እቲ ስርዓት ነቶም ዘዝመርጾም ተጋደልቲ ክውድስ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ክብሪ ዜጋታት ከምዘይገድሶ ዘመልክት’ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋግሚ ሓደጋታት ባሕሪን ከም ናይ ባዕሎም ይፈልጡ ዝዓይነቱ መልሲ ናይቲ ስርዓትን ድማ፣ ብምልካዊ ፕረዚደንት ኢሳያያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ክብሪ ዜጋታቱ ንላዕሊ ክብሪ ስልጣኑ ከምዘገድሶ ዘጉልሕ’ዩ።

ሃገራት ዓለም ንክብሪ ዜጋታትን ክሕልዋ፣ ዋላ’ውን ናይቶም ክዛወሩ ብሓደጋ ናይ ዝሞቱ ሬሳታትን ከይድፈር ክሳብ መስዋእቲ ክኸፍላ እንከለዋ፣ በንጻሩ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሬሳታት ናይቶም ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን’ውን ክክሕዶ ዝፈተነሉ ግዜ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ እዚ ኣስታት 155 ኤርትራውያን ኣህሊቑ ዘሎ ዘሕዝን ሓደጋ ባሕርን፣ ገና’ውን ንመላእ ህዝቢ ኣብ ሻቕሎት ኣውዲቑ ዝርከብ ምጥፋት ናይታ 200 ኤርትራውያን ጽዒና ኣብ 28 ሰነ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባን መንግስቲ ኤርትራ ንስሙ’ውን ብማዕከናት ዜናታቱ ክጠቕሶ ኣይከኣለን።

‘ብዘመን ኣመሪካ ዝጸመመ ኣመሪካ ክብል ሓመመ’፣ ኮይንዎ መንግስቲ ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ ነዛ ኣመሪካ ትብል ዝበለየት መዝሙር ምድጋሙ፣ ንውድቀታቱ ኣብ ክንዲ ምእማን ንኻልእ ከላግብ ምፍታን ጥራይ ዝገብሮ ዘሎ ብህዝቢ ይኹን ሃገራት ሰማዕን ተቓባልነትን ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ’ዩ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0