መራሕቲ ጅቡትን ጃፓንን ኣብ ህሉው ዝምድናን ምትሕግጋዝን ዘትዮም

Radio Erena: 08 September 2016

Guelle Abe

መራሕቲ ጅቡትን ጃፓንን ኣብ ህሉው ዝምድና ን ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣበ፣ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ቶክዮ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምዕባለ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ናይሮቢ ኣብ ዘምርሓሉ እዋን’ዩ ብ28 ነሓሰ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ብምርኻብ ዘተዩ።

መራሕቲ ጃፓንን ጅቡትን ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ መንጎኦም ዝተበጽሐ ስምምዓት ነጥቢ ብነጥቢ ኣልዒሎም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ 2013 ናብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ጃፓን፣ ንጅቡቲ ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዘገግልግላ ጀላቡን ወትሃደራዊ መሳርሒታትን ብሓገዝ ከምዝሃበታን ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ሓገዝ ኣብ ኣብ ሰብኣዊ መዳይ’ውን ክቕጽል ከምዝተሰማምዓ’ውን ይፍለጥ።

ጃፓን 140 ሚልዮን የን ዝግመት ናይ እኽሊ ረድኤት ንጅቡቲ ክትህብ መደብ ከምዘለዋ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣበ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንፕረዚደንት ጉለ ገሊጽሉ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ቶክዮ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምዕባለ ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኤርትራ ግና ብደረጃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጥራይ’ያ ተሳቲፋ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝተሳተፈሉ ኣጋጣሚ ምስ ጃፓናዊ መዘንኡ ፉምዮ ኪሺዳ ብምርኻብ ኣብ ህሉው ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከምዝዘተዩ መንግስቲ ኤርትራ ምግላጹ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0