መራሕቲ ቻይናን ፓኪስታንን ናብ ስዑዲ ዓረብ ኢራንን ዑደት ከካይዱ’ዮም

መራሕቲ ቻይናን ፓኪስታንን ናብ ስዑዲ ዓረብ ኢራንን ዑደት ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: 18 Januray 2016

Pakis Chi

ፕረዚደንት ቻይና ቺ ዚፒንግ ናብ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ካብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ጽባሕ ሰሉስ 19 ጥሪ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተኸስቱ ዘሎ ወጥሪ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቻይና፣ ንዞባ ማእከላይት ምብራቕ ኣብ ክልተ ደምበ መቒሉ ንዝርከብ ኩነታት ስዑዲ ዓረብ ኢራንን ንምርግጋእ ተበግሶ ትወስድ ዘላ፣ ምስዘን ሃገራት ብዘለዋ ኣብ ግዙፍ ንግዲን ወፍርን ዘተኮረ ዝምድና’ዩ።

 

ፕረዚደንት ዚፒንግ ኣብ መጋቢት 2013 ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ከካይድ እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ብዘይካ’ቲ ናይ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዑደቱ፣ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ናብ ዝርከበላ ግብጺ’ውን ዑደት ሰሪዑ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ናዋዝ ሸሪፍ’ውን ሎሚ ሰኑይ ናብዘን ሃገራት ተመሳሳሊ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ማዕካናት ዜና ፓኪስታን ሓቢረን።

 

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0