መራሕቲ ተቓውሞ ሱዳን፣ ምስ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርኻቦም ተቐዪዶም

Radio Erena: 09 June 2019

ንህዝባዊ ምልዕዓል ሱዳን ይመርሑ ካብ ዘለዉ ክልተ ቀንዲ ሓለፍቲ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርኻቦም ብኡ ንብኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ፣ ማዕከናት ዜና ካብ ሱዳን ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ መንጎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊን ንተቓውሞ ዝመርሕ ዘሎ ማሕበር ሞያውያንን ክሽምግል ንዘቕረቦ እማመ ክልቲኦም ወገናት ተቐቢሎሞ’ዮም።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕቲ ተቓወምት ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣባላት ጸጥታ ንመሓመድ ኢስማትን ኢስማዒል ጃላብን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉዎም ተሓቢሩ። እንተኾነ ኣበይ ተቐዪዶም ከምዘለዉ ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክሽምግል እንተኾይኑ እቲ ወተሃደራዊ ቆንስል ከማልኦ ዘለዎ ቅድመ ኩነት ማለት፣ ናይ’ቶም ኣብ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተቐትሉ ሓላፍነት ክወስድ፣ ምሉእ መርመራ ክግበር ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ዝብሉ ጠለባት ኣቕሪቡ።

ድሕሪ’ቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ዝወሰደ ናይ ሰራዊት ስጉምቲ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ሱዳን መርማሪት ጉጅለ ክልእኽ መደብ ከምዘለዎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0