መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንምዝርራብ ንሻውዓይ ግዜኦም ክራኸቡ’ዮም

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንምዝርራብ ንሻውዓይ ግዜኦም ክራኸቡ’ዮም

Radio Erena: 09 January 2015

IGAD

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዛጊት ክዕወት ኣብ ዘይክኣለሉ እዋን፣ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ክራኸቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ 18 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ግጭጥ ደቡብ ሱዳን ዳግም ተጎሃሂርሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ ዝውደብ ዘሎ።

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ተራኺቦም ክዘራረቡ፣ ካብ ታሕሳስ2013 ኣትሒዙ እዚ ንመበል ሻውዓይ ግዜኡ’ዩ።

 

ቅድሚ’ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኣኼባ፣ ብኢጋድን መንግስቲ ቻይናን ዝተወደበ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘሎ ኣኼባ ን12 ጥሪ ኣብ ካርቱም ክካየድ ተወጢኑ ምህላዉ’ውን ካብ ጁባ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብዚ ናይ ደቡብ ሱዳን ጉዳይ ተደጋጋሚ እዋን ዝርርባት ከካይዱ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ናይታ ኣባል ኢጋድ ዝኾነት ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግና ካብዚ ርክባት እዚ ተገሊሉ’ዩ ዘሎ።

ኣብ 1993 ኣባል ኢጋድ ዝኾነት ኤርትራ ኣብ ሚያዝያ 2007 ካብቲ ዞባዊ ማሕበር ብፍቓዳ ስሒባ እኳ እንተነበረ፣ እንደገና ኣብ 2011 ክትምለስ ከምዝሓተተት ኣይርሳዕን።
========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0