መራሒ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፣ ብዛዕባ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፣ ምስ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 01 July 2022

መራሒ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፣ ብዛዕባ’ቲ ብሓድሽ ማዕበል ጀሚሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፣ ምስ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ከምዝተዘራረበ፣ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፣ ሱና ገሊጹ።

እቲ ብኣነት ወበር ዝተመርሐ፣ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዕለት 28 ሰነ እዩ ኣብ ከተማ ካርቱም ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ተራኺቡ።

ኣብቲ ርክብ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ ኲናት ዝርከብ ረብሓ የለን ኢሉ ከምዝኣምን ብምግላጽ፣ ክልቲኦም ወገናት ኲናት ካብ ምስዋር ክቑጠቡ ጸዊዑ።

ሱዳን፣ ሸውዓተ ኣባላት ካብ ወተሃደራታ፣ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ብምባል ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ከተቕርብ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ከኣ እቲ ፍጻሜ ምልሻታት እቲ ከባቢ ዝፈጸምዎ ደኣምበር፣ ብሰራዊት ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ኣይኮነን ብምባል ትኽሕድ። ድሒሩ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ከኣ፣ ሰራዊት ሱዳን ምስ ሓይልታት ትግራይ ብምትሕግጋዝ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩዎ ገሊጻ።

ጀነራል ቡርሃን ኣብቲ ርክብ፣ ሰራዊቱ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝርከብ፣ እንተኾነ ግና መጥቃዕቲ ከምዘየበግስ፣ ንወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ቃል ኣትዩ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ እዋን ኲናትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ዘዕቆበኦም ሓድ-ሕድ ዜጋታተን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0