መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር፣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ጁባ ክምለስ ምዃኑ ሓቢሩ

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር፣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ጁባ ክምለስ ምዃኑ ሓቢሩ

Radio Erena: 12 April 2016

macha

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር፣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ጁባ ክኣቱ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሬክ ማቻር፣ ንሰኑይ 18 ሚያዝያ ናብ ጁባ ክምለስ ምዃኑ ዝሕብር ዘሎ፣ ብዝተኻየደ ስምምዕ መሰረት ኣብ ዝቀውም ሓድሽ መንግስቲ ከም ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ንምግልጋል’ዩ።

ንሱ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን ናብ ከተማ ጁባ ቅድሚ ምምላሱ፣ 23 ጀነራላት ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊቱ ናብ ኣገደስቲ ከተማታት ክዋፈሩ ምሕታቱ ኣይርሳዕን።

 

ድሮ’ውን ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣናቱ ናብታ ከተማ ኣትዮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ብዛዕባ ምምላስ ተቓዋሚ ነበረ ሬክ ማቻር ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ካብ 2013 ኣትሒዙ ዝተወልዐ ግጭት ደቡብ ሱዳን፣ ብመንጎኝነት ኢጋዳን ካልኦት ሃገራትን ድሕሪ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ናብ ስምምዕ ተበጺሑ እኳ እንተሎ፣ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ሰንኮፍ ምህላዉ ተንተንቲ የረድኡ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ምክትሉ ንዝነበረ ሬክ ማቻር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስጓጉ’ዩ ግጭት ደቡብ ሱዳን ተጓሃሂሩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0