መራሒ ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ዕድመ እንተቐሪብሉ ናብታ ሃገረ ክበጽሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 26 Septemner 2022

መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ መንግስቲ እስራኤል ዕድመ እንተኣቕሪብሉ ናብታ ሃገር ክበጽሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኒውዮርክ ዘምርሐ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ምስ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ሱዳን ምስ እስራኤል ኣብ ኩነታ ኵናት ከምዘየለ ብምሕባር፣ ከም ጻልኢት ሃገር ከምዘይትርአ ኣስሚርሉ።

መሰረት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዕርቂ ምዃኑ ብምዝኽካር ድማ፣ ብመንግስቲ እስራኤል ዕድመ እንተቐሪብሉ ናብታ ሃገር ንምጋሽ ድሕሪ ከምዘይብል ኣተንቢሁ።

ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሱዳን ንምምሕያሽ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሓያሎ መራሕቲ ንምራኽብ ናብ ኒውሮርክ ዝገሸ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ዛጊት ምስ ሓያሎ ፕረዚደንታት ከምዝዘተየ ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ኣገንዚቡ።

እስራኤል፣ ካብ ነሓሰ 2020 ኣትሒዛ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ሞሮኮን ሱዳንን ዝምድና ምምስራታ ይፍለጥ።

እንተኾነ እታ ሃገር ሃገር፣ ዛጊት ምስ ሱዳን ዘካየደቶ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት የለን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0