መላእ ኤርትራ፣ ናብ ዳግማይ ጸልማት ተመሊሱ

Radio Erena: 09 November 2021

ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተራእየ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ፣ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ብተዛማዲ ተፈቲሑ እኳ እንተነበረ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ዝነበሮ ጸልማት ተመሊሱ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ህዝቢ፣ ከም መጥሓን እኽልን ካልእ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኣገልግሎታትን ንምርካብ ከርተት ክብል ይርአ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ብተደጋጋሚን ንሰሙናት ክሳብ ኣዋርሕ ዝጸንሕን ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ንቡር ተርእዮ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ’ዩ።

ብተደጋጋሚ ዘቋርጽ ዘሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ብቴክኒካዊ ጸገም ስለዝኾነ ሕጂ ዳርጋ ተፈቲሑ’ዩ ዝብል ጎስጓሳት፣ ኣብ ሰሚናራት ክወሃብ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ዳርጋ መላእ ኤርትራ እንደገና ናብ ጸልማት ተመሊሱ ዘሎ።

እዚ ኣብዚ አዋን’ዚ ዝደጋገም ዘሎን ንሰሙናት ዝቕጽልን ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ንህዝቢ፣ ካብቲ ንኤርትራ ብቀጥታ ዝጸሉ ዘሎ ህሉው ኩነታትን እዋናዊ ሓበሬታን ንምርሓቑ ተባሂሉ፣ ብመደብ ዝትግበር ዘሎ ክብሉ’ዮም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ግምታቶም ዝህቡ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Mulugheta 2 years ago

    Ab Eritrea hagini hadsi negeri teraau alo nay mengsti serhatenatat gezakum kefali alom alow kem adakorya senbeli hosbtal